መንእሰያት ዚሓትትዎ
ድሕሪ ጥምቀት እንታይ እየ ኽገብር ዘሎኒ፧—2ይ ክፋል፦ ንጽህናኻ ሓሉ
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋ ነቶም ብንጽህና ዚመላለሱ፡ ጽቡቕ ዘበለ ኣይከልኦምን እዩ” ይብል። (መዝሙር 84:11) “ብንጽህና ምምልላስ” ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ነቲ ርእስኻ ንየሆዋ ኽትውፊ ኸለኻ ዝኣቶኻዮ መብጽዓ እናሓሎኻ ትነብር ማለት እዩ። (መክብብ 5:4, 5) እሞ ደኣ ድሕሪ ጥምቀት ከመይ ጌርካ ኢኻ ብንጽህና ኽትመላለስ እትኽእል፧
ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦
ወትሩ ጸገማት ተጻወር
ቀንዲ ጥቕሲ፦ “ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ።”—ግብሪ ሃዋርያት 14:22።
እንታይ ማለት እዩ፧ ኵሎም ክርስትያናት ኣብ ህይወቶም ጸገማት የጋጥሞም እዩ። ከም ላግጺ ወይ ተቓውሞ ዝኣመሰለ ገሊኡ ጸገማት፡ ክርስትያናት ብምዃንና እዩ ዜጋጥመና። ከም ናይ ገንዘብ ጸገማት ወይ ሕማም ዝኣመሰለ ገሊኡ ጸገማት ግና፡ ንዅሎም ደቂ ሰብ እዩ ዜጋጥሞም።
እንታይ ክትጽበ ትኽእል፧ ሓድሓደ ግዜ፡ ኵነታትካ ኪቕየር ይኽእል እዩ፣ ኣብ ገሊኡ እዋን ከኣ ነቲ ለውጢ ኣይትደልዮን ትኸውን። ክርስትያናት ንኹን ኣይንኹን ብዘየገድስ፡ ሕማቕ ነገራት ንዅላትና ኸም ዜጋጥመና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።—መክብብ 9:11።
እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ጸገማት ከም ዜጋጥመካ ስለ እትፈልጥ፡ ክትዳለወሉ ትኽእል ኢኻ። እምነትካ ንምድልዳልን ኣብ የሆዋ ዘሎካ ትውክልቲ ንምዕባይን ኣጋጣሚ ኸም ዚህበካ ጌርካ ርኣዮ። (ያእቆብ 1:2, 3) ድሕሪ ግዜ፡ ከም ጳውሎስ፡ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ምባል ክትክእል ኢኻ።—ፊልጲ 4:13።
ናይ ሓቂ ታሪኽ፦ “ድሕሪ ጥምቀተይ ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ኣሕዋተይ ንክርስትያናዊ እምነት ሓዲጎም፡ ወለደይ ከኣ ሓሚሞም፡ ኣነ እውን ሓሚመ። ብቐሊሉ ኽሕለል ምኸኣልኩ ነይረ፣ ርእሰይ ንኣምላኽ ኸም ዝወፈኹን ንኣምልኾኡ ኣብ ህይወተይ ቀዳምነት ክህቦ ኸም እተመባጻዕኩን ክርስዕ ምኸኣልኩ ነይረ። ከም ሓቂ ግና፡ ወፈያይ እዩ ንጸገማተይ ክዋጽኣሉ ሓጊዙኒ።”—ካረን።
ምኽሪ፦ ንዮሴፍ ፍለጦ። ብዛዕባ ህይወቱ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 37፡ ከምኡ እውን ምዕራፍ 39 ክሳብ 41 ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ‘እንታይ ዘይተጸበዮ ጸገማት እዩ ኣጋጢምዎ፧ ነዚ ብኸመይ ሰጊርዎ፧ የሆዋ ንዮሴፍ ብኸመይ ሓጊዝዎ፧’ ኢልካ ሕተት።
ተወሳኺ ሓገዝዶ ትደሊ፧
ኣንብብ፦
ኣራግፍ፦
ወትሩ ፈተና ተጻረር
ቀንዲ ጥቕሲ፦ “ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተሳሒቡን ተሓቢሉን እዩ ዚፍተን።”—ያእቆብ 1:14።
እንታይ ማለት እዩ፧ ሓድሓደ ግዜ፡ ክንቈጻጸሮ እንተ ዘይክኢልና ናብ ጌጋ ኺመርሓና ዚኽእል ትምኒታት ንዅላትና ይፍትነና እዩ።
እንታይ ክትጽበ ትኽእል፧ ድሕሪ ጥምቀት፡ “ትምኒት ስጋ” ኺፍትነካ ይኽእል እዩ። (2 ጴጥሮስ 2:18) ሕሉፍ ሓሊፍካ፡ ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ንምግባር ትፍተን ትኸውን።
እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ትምኒታትካ ምእንቲ ኸይውስነልካ፡ እቲ ፈተና ቕድሚ ምምጻኡ፡ ሕጂ እንታይ ከም እትውስን ቍረጽ። የሱስ፡ “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን” ከም ዝበለ ኣይትረስዕ። (ማቴዎስ 6:24) መን ጐይታኻ ኸም ዚኸውን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ፡ ንየሆዋ ምረጽ። ብርቱዕ ትምኒት እኳ እንተ ሓደረካ፡ ንዘይምግባሩ ኽትውስን ትኽእል ኢኻ።—ገላትያ 5:16።
ምኽሪ፦ ብርታዐኻን ድኽመትካን እንታይ ምዃኑ ፍለጥ። ኣባኻ ንዘሎ ጽቡቕ ባህርያት ዜውጽኡልካ ኣዕሩኽ ምረጽ። ቅኑዕ ንምግባር ኣጸጋሚ ኸም ዚኸውን ካብ ዚገብሩ ሰባትን ቦታታትን ኵነታትን ርሓቕ።—መዝሙር 26:4, 5።
ተወሳኺ ሓገዝዶ ትደሊ፧
ወትሩ ቕንኣትካ ኣደልድል
ቀንዲ ጥቕሲ፦ “ነፍሲ ወከፍኩም ክሳዕ መወዳእታ . . . እዚ ትግሃት እዚ ኸተርእዩ ንደሊ ኣለና፣ እዚ ድማ . . . ፈዛዛት ምእንቲ ኸይትዀኑ እዩ።”—እብራውያን 6:11, 12።
እንታይ ማለት እዩ፧ ኣብ ዕዮኡ ዘየተኵር ሰብ፡ ብቐሊሉ ኺዝሕትልን ፈዛዝ ኪኸውንን ይኽእል እዩ።
እንታይ ክትጽበ ትኽእል፧ ድሕሪ ጥምቀትካ ውዕዉዕ መንፈስን ብርቱዕ ቅንኣትን ነይሩካ እዩ። ንየሆዋ ሓያል ፍቕሪ ነይሩካ እዩ። ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ግና፡ ንየሆዋ ብዅሉ እዙዝ ምዃን ይኸብደካ ይኸውን፣ እዚ ድማ ተስፋ ኬቝርጸካን ንቕንኣትካ ኺንክዮን ይኽእል እዩ።—ገላትያ 5:7።
እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ዋላ እኳ ልብኻ እንተ ዘይደለዮ፡ ቅኑዕ ምግባር ኣይተቋርጽ። (1 ቈረንቶስ 9:27) ማዕረ ማዕረ እዚ ድማ ንሰማያዊ ኣቦኻ ብዝያዳ ብምፍላጥን ብተደጋጋሚ ናብኡ ብምጽላይን፡ ብዝያዳ ቕረቦ። ብተወሳኺ ድማ፡ ምስቶም ንየሆዋ ምግልጋል ዚፈትዉ ሰባት ናይ ቀረባ ዕርክነት ህነጽ።
ምኽሪ፦ የሆዋ ኣዝዩ ኸም ዜፍቅረካን ኪሕግዘካ ድሉው ከም ዝዀነን ኣይትረስዕ። ቅንኣትካ ንእተወሰነ ግዜ እንተ ነክዩ፡ ንሱ ብኣኻ ኸም ዝጐሃየ ጌርካ ኣይትሕሰብ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ ኺዛረብ ከሎ፡ “ንድኹም ሓይሊ፡ ጕልበት ንዘይብሉ ኸኣ ምሉእ ብርታዐ ይህብ” ይብል። (ኢሳይያስ 40:29) ውዒሉ ሓዲሩ፡ ነቲ ንቕንኣትካ ዳግም ንምጕህሃር እትገብሮ ጻዕሪ ኺባርኾ እዩ።
ተወሳኺ ሓገዝዶ ትደሊ፧
ኣንብብ፦
ርአ፦
ቀንዲ ነጥቢ፦ ብንጽህና እንተ ተመላሊስካ፡ ንልቢ የሆዋ ኸተሐጕሶ ኢኻ! (ምሳሌ 27:11) ኣብ ጐድኑ ንምዃን ስለ ዝመረጽካ ኺሕጐስ እዩ፣ ንመጥቃዕትታት ሰይጣን ንምጽራር ዜድልየካ ዘበለ ዅሉ ድማ ኪህበካ እዩ።