ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕለተ ልደት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕለተ ልደት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕለተ ልደት ዘይነብዕለሉ ምኽንያት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ በዓላት ንኣምላኽ ዜጕሂ ምዃኑ ስለ እንኣምን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዕለተ ልደት ምብዓል ብንጹር ዚኽልክል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ ቐንዲ መዳያት እዚ በዓላት እዝን ኣምላኽ ብዛዕባኡ ዘለዎ ኣረኣእያን ክንርዳእ ይሕግዘና እዩ። ነዚ ዚስዕብ ኣርባዕተ መዳያትን ምስኡ ዚሰማማዕ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን እስከ ርአ።

  1.   በዓላት ዕለተ ልደት ኣረማዊ መበቈል ኣለዎ። ፋንክ ኤንድ ዋግናልስ ስታንዳርድ ዲክሽነሪ ኦቭ ፎልክሎር፡ ሚቶሎጂ ኤንድ ለጀንድ፡ ኣብ ዕለተ ልደት ሓደ ሰብ፡ “እኩያት መናፍስትን ካልኦት ሓይልታትን ነቶም ዕለተ ልደቶም ዜብዕሉ ሰባት ኬጥቅዕዎም ኣጋጣሚ ኣለዎም፣ ፈተውቲ ኣብቲ በዓል ምርካቦምን ሰናይ ትምኒቶም ምግላጾምን ግና ነቲ ዕለተ ልደቱ ዝዀነ ሰብ የዕቍቦ እዩ” ይብል። እዚ ኸኣ በዓላት ዕለተ ልደት፡ ካብዚ እምነት እዚ ዝመንጨወ ምዃኑ ዚሕብር እዩ። ዘ ሎር ኦቭ በርዝደይስ ዘርእስታ መጽሓፍ ድማ፡ ‘ዕለት ልደት ነቲ ኣብ ቈጸራ ኸዋኽብቲ እተመስረተ መስርሕ ሆሮስኮፕ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ፡ ብግዜ ጥንቲ ዕለት ልደት ምምዝጋብ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ’ ትብል። እታ መጽሓፍ ቀጺላ፡ “ሽምዓታት ዕለተ ልደት፡ ትምኒታት ሓደ ሰብ ንምፍጻም ፍሉይ ስሒር ከም ዘለዎ እዩ ብሰፊሑ ዚእመነሉ ነይሩ” ትብል።

     ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ስሒር፡ ጥንቍልና፡ መናፍስትነት፡ ወይ “ከምዚ ዝኣመሰለ ኻልእ” ነገራት ይዅንን እዩ። (ዘዳግም 18:14፣ ገላትያ 5:19-21) ከም ሓቂ ኸኣ፡ ኣምላኽ ንጥንታዊት ከተማ ባቢሎን ዝዀነነሉ ሓደ ምኽንያት፡ ተቐማጦኣ ነቲ ሓደ ዓይነት ጥንቍልና ዝዀነ ቘጸራ ኸዋኽብቲ ይጥቀሙ ስለ ዝነበሩ እዩ። (ኢሳይያስ 47:11-15) ናይ የሆዋ መሰኻኽር መበቆል ነፍሲ ወከፍ ልምዲ ኣብ ምምርማር እተጸመድና እኳ እንተ ዘይኰንና፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ከምዚ ዝኣመሰለ ንጹር መምርሒ ኺህብ ከሎ ግና ዕሽሽ ኣይንብሎን ኢና።

  2.   ቀዳሞት ክርስትያናት ዕለተ ልደት ኣይብዕሉን ነይሮም። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ፡ ቀዳሞት ክርስትያናት “ልደት ናይ ዝዀነ ይኹን ሰብ ምብዓል ከም ልምዲ ኣረማውያን ገይሮም ይርእይዎ” ምንባሮም ይገልጽ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሃዋርያትን የሱስ ብቐጥታ ዝመሃሮም ካልኦትን፡ ኵሎም ክርስትያናት ኪስዕብዎ ዘለዎም ልምዲ ኸም ዝሓደጉ ይገልጽ እዩ።—2 ተሰሎንቄ 3:6

  3.   ክርስትያናት ኬብዕልዎ ትጽቢት ዚግበረሎም ዝኽሪ፡ ምስ ልደት ዘይኰነስ ምስ ሞት የሱስ ዚተሓሓዝ እዩ። (ሉቃስ 22:17-20) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ካብ መዓልቲ ልደት መዓልቲ ሞት ይሓይሽ’ ስለ ዚብል፡ እዚ ኼገርመና የብሉን። (መክብብ 7:1) የሱስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽቡቕ ስም ሒዙ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝነበረ ህይወቱ ስለ ዝዛዘሞ፡ ካብ መዓልቲ ልደቱ ንላዕሊ መዓልቲ ሞቱ ዝያዳ ኣገዳሲት ነበረት።—እብራውያን 1:4

  4.   መጽሓፍ ቅዱስ ዕለተ ልደቱ ዘብዓለ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ከም ዝነበረ ፈጺሙ ኣይጠቅስን እዩ። ዘይተጠቕሰሉ ምኽንያት፡ ዕሽሽ ስለ እተባህለ ኣይኰነን፣ ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዕለተ ልደቶም ናይ ዘብዓሉ ኽልተ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዘይነበሩ ሰባት መዝጊቡ ኣሎ። ክልቲኡ ኣጋጣሚታት ግና ብሕማቕ መገዲ እዩ ተገሊጹ ዘሎ።—ዘፍጥረት 40:20-22፣ ማርቆስ 6:21-29

ደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕለተ ልደት ብዘይምብዓሎም ካብ ሓጐስ እተሓረሙ ዀይኑ ይስምዖም ድዩ፧

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ወለዲ፡ ከም ኵሎም ንፉዓት ወለዲ ኣብ ዓመት ኣብ ዝዀነ ይኹን መዓልቲ ንደቆም ህያባት ብምሃብን ባህ ዜብል ምትእኽኻብ ብምግባርን ፍቕሮም ይገልጹሎም እዮም። ነቲ ንውሉዳቱ ኣብ ዝዀነ እዋን ጽቡቕ ውህበት ብምሃብ ፍጹም ኣብነት ዝዀነ ኣምላኽ ኪመስልዎ ይጽዕሩ እዮም። (ማቴዎስ 7:11) እዚ ዚስዕብ ርእይቶታት ከም ዚሕብሮ፡ ደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ሓጐስ እተሓረሙ ዀይኑ ኣይስምዖምን እዩ፦

  •   “ኣብ ዘይተጸበኻዮ ግዜ ዚውሃበካ ህያብ፡ ዝያዳ ዜሐጕስ እዩ።”—ታሚ፡ ጓል 12 ዓመት።

  •   “ኣብ ዕለተ ልደተይ ህያባት ዘይውሃበኒ እኳ እንተ ዀነ፡ ወለደይ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ህያባት ይዕድጉለይ እዮም። ከይተጸበኽዎ ስለ ዚዕደገለይ፡ ከምኡ ምዃኑ እፈትዎ እየ።”—ግሪጎሪ፡ ወዲ 11 ዓመት።

  •   “ንዓሰርተ ደቒቕ ንእሽቶ ፓስተ ምብላዕን መዝሙር ምዝማርን ናይ ሓቂ ፓርቲዶ ይመስለኪ፧ ናይ ሓቂ ፓርቲ እንታይ ከም ዚመስል ክትርኢ እንተ ደሊኺ ገዛና ኽትመጺ ኣሎኪ!”—ወዲ 6 ዓመት ዝዀነ ኤሪክ ንኣደ መማህርቱ ዝበላ።